“Behavior!”

ወዲ-ሰብ ዝጥቀመሉ መሳርሒ
ንሰብ-ሓሳብ መለወጢ ብልሒ
እንተሓጸረ፡ ሓጸሮ መናውሒ
ህላወ ጥበብ፡ ቀይናን ጉርሒ፣
ጠባይ ባህሪን ኣዝማድ ብምስሊ
ንጉስን ኣንጋሲን ኣዝማድ ብምስሊ
ልዑል ተቐይሩ፡ ከምጽእ ጠሊ
ከይሕበኑ ኣንገስቲ፡ ከየብርኹ ላዕሊ፣
ሕልሚ እናሓለመ፡ ሕልሚ ቐትሪ
ለዋጢ መስመር፡ ጠንቋሊ ነድሪ
ብጥውይዋይ መልሓሱ፡ ዘናሹ ኽብሪ
ንዂሉ ቢሒትዎ፡ እናቐየረ ባህሪ።

Fan of my work...?

Show your love by supporting my work and the language of Tigrinya

comments powered by Disqus