Better!
ዘበኑ ዘበን ንግዲ
ብምዃኑ ዀይኑ ግዲ
እትው-ውጽእ ኣብዚሕኺ
ንስኺ ክትዘሪ ክትገያየጺ
ብእንተታት ቀርዒንኪ፡ ክትቅርጽጺ
ንዓይ ብንብዓት ጥበራ፡ ከተደናግጺ
ብንዋተ ስጋይ፡ ዝያዳ ክትብለጺ፣
ጽቡቕ ድዩ ንዓኺ፧
ጽቡቕ ድዩ ንዓይ፧
እንታይ ኮን ምዀነ መልሲኺ፧
ንዕላዊ ፍቕርና፡ ካብ ትጉዕጽጺ
መደበ ፍኖትኪ፡ እናዓደምኪ ዓማጺ
ይቕረ ንኽብለሉ፡ ፈጢሩለይ ነውጺ።
ኣበሳ ብዙሓት፡ ይቊጸር’ሞ ይጽብጸብ
ኣይከምናትኪን! ንተፈጥሮ ጥበብ
ንልቢ’ዩ ዘሰንብር ዘንድድ
ልበይ እናተኣጉዶ፡ ተደፊእዎ ረመጺ
ብኣኺ እንክሓስብ፡ መዓልታዊ ብሃውጺ
እንታይ ደኣሉ ዓስበይ፡ ብኣይ ዘይትድንግጺ፧
ቊሩብ’ኳ ንማለቱ፡ ከም ሰብ ንሰብ
ሰብኣዊነት ዘሎዎ፡ ርህራሄ ዘቃርብ
ኣይግድን በጃኺ! ቊሩብ’ባ ንናበብ፣
ዓለም’ኳ ዋጋ የብላን፡ እቶት ዓስቢ
ኣብ ጉዕዞኺ፡ ፍቐዶኡ ካብ ትዋሰቢ
ብስሕተት ኣበሳኺ፡ ዓንቂፍኒ ጐርቢ፣
ንርህራሀ ልውህና፡ ቐኒዕኻ’ዩ መንገዲ
ምስሕሓብ ዘይብሉ፡ ዘዋጥጥ መኣዲ
ውህደት’ሎ ኣብኡ፡ እንተጐሊልክዮ ጉርዲ።