"payable!"

ስምኪ ክኸፍእ፡ ስመይ ክደምቕ

መዓስ ተራእዪ፡ ኩፉእ ክጽብቕ፧
ድነ ተጐልቢቡ፡ ከም ጸሓይ’ዶ ይበርቕ

መዓስ ተራእዪ፡ ሓጥእ ብምጐሳ ክጸድቕ፧

መንጐ-መንጐ’ዩ ሂወት ወዲ-ሰብ

ዝጸዓረ ክስእን፡ ዝኸሰረ ክኸስብ

ውረድ-ደይብ ዘሎዎ፡ ሓቦ’ዩ ዝሓቶ
ነቲ ዝጸዓረ ክጎድሎ፡ ነቲ ዝደኸመ ኮንቶ።

ብኣንጻሩ! ምድግጋፍ ተጻሪሩ’ሎ

ክብድ ደኣ ይበላ ይበሎ

ነቲ ጾር ተሰካሚኡ ውዕሎ

ዋጋ ከይተኸፍለ፡ ፍይዳ ዝሰኣኖ
ኣልባ ማይ ሓቊንካ፡ ልኻይ ትዂነኖ፣

ከይትሰቲ ብራሕ፡ ማይ’ዶ ኰይኑ ጸባ

ውዕለትካ መኺኑ፡ ማይ ምስ ኰነ ኣልባ

ኣይ ማይ-ጸባ ሲኢንካሉ ዝርወ
ሕጂ ኢኻ ሞይትካ፡ ኣውያትካ ክእወ።

ሞት ደኣ ይሓይሽ፡ ካብ ተደዊንካ ምንባር

ልቢ’ኳ እዛ ልቢ፡ ዕሽሻት እትጸውር

ሞት’ሲ ይጽንሓለይ፡ ንኣበይ ተሃዊኸ

ድንጋጸይ ክፍደዮ፡ ዓመታት’የ ሃሊኸ፣

ሕልና ካብ ዘይብሉ፡ ሕልና ክጽበ

ዓቕለይ ወዲአዮ፡ ጸሓየይ ኣዕሪበ
ፋይዳ ኣልቦ ተፈድየ፡ ንዕሽር ተግባረይ

ንነብሰይ ሃስየያ፡ ኣመና ተወፍየ።

Fan of my work...?

Show your love by supporting my work and the language of Tigrinya

comments powered by Disqus