ልቢ’ዩ ሕልና!
ኣብ ታሪኽ ብዕጫ
ካብ ዀነ መጋረጃ
ሕልና ዘይብሉ ልቢ
ተስፋታት ካብ ዝጥንቢ
ናይ ብዙሓት ሰብ ጻዕሪ
ካብ ተዓብለለ ብሕልና ነውሪ።
እንታይ’ዩ ልቢ፧
ልቢ’ቲ ዘንብር ክትነብር
ሕልና ካብ ወሓደ ዘዕገርግር
ሰብ ንወዲ-ሰብ ብወዲ-ሰብ
ካብ ወለደ ካብ ንራህዋ ሰበብ
ኣየናይ ይሓይሽ ንጉሩም ሕልና
ሰበብ’ዶ ራህዋ ዘምጽኣልና፣
እቲ ምንታይ፡ ሕልና’ዩ ንልቢ ዝኣሊ
እቲ ምንታይ፡ ልቢ’ዩ ንሕልና ዝደሊ
ኣብ መንጐ ኽልተ፡ ዝተዋሰበ ጻዕሪ
ሕልና ደሚሩ፡ ልቢ’ዩ ዘጥሪ
ወዲ-ሰብ ክነብር፡ ብሕልና ኽብሪ።
ንዘላዓለም ብዘይበሊ ታሪኽ
ንውዕለት ዘይድምሰስ፡ ብሕልና ዝትረኽ
ሰማይ ዘዕርግ፡ ብሕልና መድረኽ
ልቢ ምስ ተንተኖ፡ ክብ’ዩ ዝብል ዝብርኽ
ስለ’ዚ ልቢ’ዩ ሕልና፡ ዘዋስብ ንወለዶ
ሕልና ብዘይ ልቢ፡ ንወዲ-ሰብ ኣይትኺዶ
ብዘይ ራእዪ ምስማዕ፡ ተንቲንካ ኣይትፍረዶ
ብዘይ ልቢ ሕልና፡ ኣይንበርን ጋዶ
ልቢ’ዩ ሕልና፡ ክንነብር ዘግህዶ
ንጨርሕ ሰብ-ልቢ፡ ንሕልና ንኺዶ።