ሕሰቢ!

ሕሰቢ ካብ ጨርቂ ወርቂ

ኣነ’የ በዓል ናብራኺ ኪዳንኪ

ኣነ ዂሉ ንዂነት ኮዋኒኺ

ብጓና ካብ ትኳደዲ፣

ንስኺ ግና ኣይግዲን፡ እንድዕልኪ

ብዛዕባ ነብሰይ፡ ቊሩብ እንተትሓስቢ

ፋቕያ እንተትገብሪ፡ ገይርኪ ቐልቢ

ካዕበተይ ካብ ምብሃግ፡ እንተትእደቢ

ገይርኪ ሓሳብ፡ ገይርኪ ልቢ

ፍቕርና ምሰጐመ፡ ገይሩ ባህጊ

ሓሳብ’ዩ ዘንብር፡ ቊሩብ ሓሳብ

ዘሰጒም ዘዐቢ፡ ምስ ወዲ-ሰብ

ብቘውታ ሕሰብዮ፡ ሂወት መትረብ

ክተረኽቦ ፈንጣዝያ፡ ክትስእኖ መጻብብ፣

ከም ዝገብር ሕሰቢ

ብሓሳብ ተንቲንኪ፡ ሰኲዕኺ ልቢ

ካብ ንኸውን፡ ዓቕልና ነጽብብ

ንዘሎና ነመስግን፡ ነሲእና ሓሳብ።

ብሓሳብ’ዩ ዝንበር፡ ንናይ ምንባር ሂወት

ዓርዓረ ጠዓመ፡ ንስጉመሉ ኣፈፍኖት

ሓሳብ’ዩ ዘንብር፡ ኣመት ልዝብ ክስተት

ንጌጋ ብቊኑዕ፡ እናኣረምኪ ስሕተት

ርእሲ’ዩ ዘሕስብ፡ ግበሪ ቊኑዕነት።

ናይ ስራሕ ደገፍቲ… ፧

ንማሕበረ-ሰብ ትግርኛ፡  ቋንቋ-ትግርኛ  ብGoogle translate ንኽረኽብዎ ሓግዞም።

comments powered by Disqus