መሳልል!
ይወግሕ ይዓርብ
ይመሲ ይጽልምት
ከዋኽብቲ ይደምቁ
ደልሃመት ይቅንጠጥ፣
ጸሓይ በሪቃ ወጊሑ
ጸሓይ ዓሪባ መስዩ
ደልሃመት መሊኡ ጋሪዱ
ኰኾብ ብግደኡ ክሰርሕ
ንጋራዲ ጸልማት ከወግድ፣
ናብራ ሂወት’ውን ስደት
ንገለ ይጥዕማ፡ ንገለ ኸርተት
ርሑቕ ብርሑቑ፡ ቐረባ ዘይኰነ
ብድምጺ ንብዓት እናሳሰነ
ተምልጠሉ ሜዳ ትጎየሉ
እኳ’ዩ ዘሳሊ ዘይብሉ፣
ማይ ቅሳነት፡ ንምዕጐሉ ጽምኢ
ዘጣልል ፍረ እቶት ብጸግኢ
መሳልል ዘድልዮ፡ ክትበጽሖ ብጉያ
ዘይትብረየሉ ንዕረፍቲ ብሞያ።