መን’ዩ ስሒቱ፧
ኣነ ዝርሃጽክሉ ገንዘበይ ኣነ ዝኣተኽሉ ቓል-ኪዳነይ
ንኽብረይ ኣሕሊፍኪ ክትህብዮ
ንኽብርኺ ኣሕሊፍኪ ክትህብዮ
ንስኺ ኰይንኪ ባዕልኺ ገይርክዮ ኣበሳ ብኣበሳ ተስኪምኪ ክትንዕውዮ።
ካብ ትብልኒ፡ ነብሰይ ኣታሊለ
እንታይ’ሞ ክገብር ዕላሉ ዀይነ!፧
ደስ ስለ ዝብለኒ’የ ብኡ ተሃኒነ
ብዙሕ’የ ተዛሪበ ዘይተወደነ፣
እንተሓተትኩኺ ግን ክትብልኒ
ንርእሰይ መድሃኒት እንተዀነኒ
ብምባል ኢለ’የ ብልሳነይ ዝቓኒ።
ኰይንኪ’ኺ… ግዳይ!
ሓቂ ግን ዘይትዛረቢ፡ ክዀነኪ ፈውሲ ዓስቢ መታን ኽትነብሪ ኣብ’ዛ ምድሪ
ነዛ ዘላትኪ ሓጻር ዕምሪ፣ ብቕዲ ሓሳብኪ ኣይትሕለሚ
ብቕዲ ሓሳብኪ ኣይትሕለሚ ኣምላኽ ኣይፈቱን’ዩ፡ ኣሉ ዝብል ሓሳዊ
ተጸጊምና ርእዩ’ዩ፡ ሓሚምና ዘሕዊ፣
ናይ ልቢና ዝምርምር፡ ናይ ሓሳብና ዝነግር፣ ኣብ ቅድመኺ እኳ’ዩ ዘሎ፡ ዂሉ ግዜ
ርእሲኺን ልሳንኪን እንተደንዘዘ ብኸመይ ከምኡ ዀይኑ ኣዐርዩ ንዝፈልጥ
ንዑኡ’ሲ ኣይተታልሊ ኣይትሓስዊ፣ ንዓይ ንወዲ-ሰብ፡ ብዙሕ እንተበልኪ
ኲሉ’የ ዝሕልኖ፡ ዂሉ ዝኣምነልኪ ንኹሉ ብህሎኺ’ውን፡ ኪዳን’የ ኣትየልኪ።
እንተሓለንኪ ግን… ኣይምርምርን’የ፡ ከም’ቲ ኽቡር ኣምላኽ
ብስጋን ነብሲን ስለ ዝቘምኩ
ነቲ ሽግር ሽግር ዝወሰኽኩ እርኢ እነብር ከምኡ’ለ ብእምነት
ሕጂ ግን ወዲቐ! ምስ ወደቕኪ ኣብ ስሕተት።