“ስፍራ-ኣበሳ!”
ነይርኪ! ነይርኪ… ደባሲተይ
ቐደም ኣብ ጽቡቐይ
ተሓላቒት ሓላይት ሓልዮተይ
ኣእምሮኺ ከሎ፡ ዘይብዓል ኣበሳ
ሕጂ ግን ተቐይርኪ
ኣብ ማእገረይ ተሰቒልኪ፣
ክትኰሊ ክትዘምቲ፡ መዓልታዊ ኣበሳ
ኰለል ትብሊ፡ ተቐቢኢኺ ኲሕሊ-ምሕሊ
ፍቐዶኡ ክትዘሪ፡ ኣመኽኒኺ ክትዕንድሪ
ዕላማኺ ጠንጢንኪ፡ ሃለውለው ክትብህጊ
ተሰካሚት ኣበሳ፡ ኰይንኪ በዓቲ-ኣበሳ
ሓላዊት ቤት ገይርኪ፡ ንኣደይ ገርግሳ
ኣይወፍራ ኣይግስግሳ፡ ኣይጽህያ ኣይምሕሳ
ተዀዲመን ዝውዕላ፡ ቡነን ከቃርራ
ተምጽለን ዘይፈልጠኦ፡ ኣበሳ ዂምራ
ዕንቈን ኣንጠልጢለን፡ ክጽልያ እናወዓላ
ንስለኺን ስለአንን ኢለን
ኣበሳ ከይመጽአን፡ ምውጻእኺ ፈሊጠን፣
ከሎኺ ኣበሳ…
ኰይንኪ ብዓልቲ-ኣበሳ
ክትመስሊ ዋዕሮ-ኣንበሳ
ብዀለል ሞይትኪ፡ ተቐይርኪ ረይሳ
ቐባራይ ትደልዪ፡ ምውትቲ ሂወት ሒዝኪ፣
ኣደኺ ክጽልያ ወገሐ-ጸበሐ
ኣብ ቊማር ከይትኣትዊ፡ ጸሎተን በዝሐ
ዋጋ ክረኽባሉ፡ ምእታውኪ ምውጻእኺ
ኣብ ኣካልኪ ክትነብሪ፡ ኣብ ኣካል ቤትኪ
ከይተምጽእለን ኣበሳ፡ ባህሪኺ ቐይርኪ
ንሰን ይልምና ይጽልያ፡ ጸሎት ንዘብጽሕ
ንስኺ ክትግህጨሚ፡ ንባህግኺ ዘርብሕ
ተገቲርኪ ትውዕሊ፡ ኣብ ራእዪ ኣልቦ ስራሕ፣
ሃተምተም ትብሊ…
ኣብቲ ጐደና፡ ከተማ ክትኰሊ
ሰብ እንተረኸብኪ፡ ኣበሳኺ ዝደሊ
ጐፍ-ንጐፍ ተተረኽበ፡ ንዓኺ ዝመስል
ኣደኺ ኣይኣምናሉን፡ ንውልድተን ዘምሕል
ይኣትዋሉ ይምሕላሉ፡ ምስ ጸሎተን ገይረን
ኣበሳ’ሲ ኣይንታያን፡ እምንቲ’ያ ጓለን
ክበሃላ ይኣትወኣ ንማሕላ
ይምሕላ ይምሕላ፡ ኣበሳ ኣይንታየን
ኣብ ልዕሊ ጓለን፡ ኣብ’ታ ብዓልቲ-ኣበሳ
ኣሉታኣ ከጸብቓ፡ ዝርሓቐ ዝቐረበ
ከይከሰስኣ ይሓልፋ ምስ እምነተን፡
ከም ዘይብላ ዘኽስሳ ዘርክሳ
ኣብ ክንዲኣ፡ እናተማጐታ ይሓልፋ
ኢለን’ውን ይጽልያ፡ ኣደይ ኢታይ ገርግሳ።