ቓል-ዓለም…!
ቓል-ዓለም ኣይኰነን ፍቕሪ
ኣብ’ቲ ክትሕጐስ ትምርቕ
ኣብ’ቲ ክትሓዝን ትሓርቕ
ጸሓይካ ከተዕርብ
ዝናብካ ከተስርብ
እቲ ትውዕሎ ትሓድሮ
ሓመቐ-ጸበቐ መንብሮ
ነዚ ጽባሕ ትመውት፡
ኣብ ሓመድ ትቕበሮ
ስለ’ዚ ቓል-ዓለም ኣይትግበሮ
ንፍቕሪ ከም ፍቕሪ ኣስተማቕሮ።
ከሎኻ ኣብ’ዛ ምድሪ
ንቓል-ዓለም ኰኑኖ ከም ነውሪ
ክትነብር! ምስ ምንባር ንበር
ፍቕሪ’ዩ ጥዑም፡ ናጻ ዄንካ ኣፍቅር።
ቓል-ዓለም ኣይኰነን ፍቕሪ
ኣብ’ቲ ክትሕጐስ ትምርቕ
ኣብ’ቲ ክትሓዝን ትሓርቕ
ጸሓይካ ከተዕርብ
ዝናብካ ከተስርብ
እቲ ትውዕሎ ትሓድሮ
ሓመቐ-ጸበቐ መንብሮ
ነዚ ጽባሕ ትመውት፡
ኣብ ሓመድ ትቕበሮ
ስለ’ዚ ቓል-ዓለም ኣይትግበሮ
ንፍቕሪ ከም ፍቕሪ ኣስተማቕሮ።
ከሎኻ ኣብ’ዛ ምድሪ
ንቓል-ዓለም ኰኑኖ ከም ነውሪ
ክትነብር! ምስ ምንባር ንበር
ፍቕሪ’ዩ ጥዑም፡ ናጻ ዄንካ ኣፍቅር።