“በደል!”

ንስኻ’ዶ ትጉዕጸጽ ትብደል

ንስኻ’ምበር ትቐንዕ ተጥልል

ኣታ ጸዋሪ ዂሉ፡ ናተይ ዓቐብ-ጐልጐል፣

ንመዋጥረይ ብሃይታ ተኳልም

ፈታሒ ስቅያተይ ከየሕለምልም

ንስኻ ኢኻ ፈታሒኡ፡ ዋሕስ ነብሰይ ንዘላዓለም፣

ኣታ ጸራጊ ዂሉ፡ ስንጭሮይ ዓቐብ-ጐልጐል

ንስኻ’ዶ ትጉዕጸጽ ትዕምጸጽ!

ኣታ ወሃቢ ዂሉ፡ ናተይ ሕርያይ ዝብሎ

ዓለመይ ተፍትወኒ፡ ንረስነይ ተዝሕሎ

ትውፊት ካሕሳ ዓስበይ፡ ኣባኻ ካብ ሃለወ

ጸላኢኻ ይበደል፡ ሃረርታይ ካብ ተመጠወ

ጸላኢኻ ይበደል፡ ንስኻ ኣይትበደል

ወትሪ ግዜኻ ሃልው፡ ንዓይ ክትብል

ኣብ ነብሰ-ስጋይ ክትኰልል

መታን ነብሰይ ከተጥልል።

ናይ ስራሕ ደገፍቲ… ፧

ንማሕበረ-ሰብ ትግርኛ፡  ቋንቋ-ትግርኛ  ብGoogle translate ንኽረኽብዎ ሓግዞም።

comments powered by Disqus