“ቡን-ቕለዋ!”
ቡን ክትቀልዋ፡ ሻሕሻሕ ከተብላ
ኣራጥጣ ወጺኢኺን፡ ኣብ’ቲ ገበላ
ተባህለ ክብሉልኺን፡ ተባህለ ክትብላ
ሓመቐ ጠዓመ፡ ቊጽሪ ዘይብላ።
ስቕ ኢልካ ምስታይ፡ ክሳብ በረካ
እናተባሀለ ብምድግጋም ደረጃ
ኣብ’ቲ ምቊጻር’ኳ፡ መን ቈጺርዎ፧
ናይ ሓደ-ሓንቲ፡ እናበልካ ትዓልዎ
ቡን ጥዑም፡ ክብሃል ዝነበሮ
ከም’ቲ ወግዒ፡ ወግዓዊ ነስተማቕሮ
መንሻሕሻሕ እናተንሻሕሸሐ
ሽታኡን ሃገግታኡን ናባና እናምረሐ
ክብረት ይሃበልና፡ ብትሕትና ምባል
ብኣኽብሮትን ምክብባርን ካብ ምቕባል
ቡን እንተተቐልወ፡ ካብ ዝኸውን ከንቱ
ብጣዕሚ ሰናይ፡ ኣንፊትኩም ኣምቱ
ኣብ ተቐልወ ቡን፡ ኴንኩም ኴንክን
ተባህለ ግደፋ ግደፉ፡ ሕሜታ ንኽመክን።
ናይ ስራሕ ደገፍቲ… ፧
ንማሕበረ-ሰብ ትግርኛ፡ ቋንቋ-ትግርኛ ብGoogle translate ንኽረኽብዎ ሓግዞም።
comments powered by