ባህገይ!

እንታይ ረኺብለይ፡ ኣብ’ቲ መንገዲ፧

እንታይ ረኺብለይ፡ ኣብ’ቲ ዓዲ፧

ብዝገሽክዮ፡ ከይተመለስኪ ክትከዲ

ከይትምለሲ ኣቢኺ፡ ኴንኪኒ ንዋይ ሃብቲ።

ንዒ’ባ ተመለሲ፡ ሓዲኡ ግበሪ

ፍቕሪ ቓል-ኪዳንኪ ኣይተዕብሪ

ንወዲ-ሰብ ዘንብሮ፡ ዓንዲ እኳ’ዩ ፍቕሪ

ስለዚ ሕሰቢ፡ ካብ ሕሉፍ ተማሃሪ፣

እምነተይ እምነት ሓቂ

ኪዳነይ መስታ በርቂ

ምዃኑ ፈሊጥኪ ተመሪቕኪ

ንርኣዪ ዘይኰነ፡ ብባህገይ ዝበርቕ

ካብ ደገይ ጀሚሩ፡ ኣብ ውሽጠይ ዝደምቕ፣

ባህገይ’ዩ ኣእሚቱኒ፡ መገሻኺ ክጽበ

ውዕል ሕድር እናበልኲ፡ ዓመትታት ቘጺረ

እቶተይ እንተረኸብኩሉ’ለ

ሃህ’ለ ተጸብየ፡ ንዓቕለይ ዓጢለ፣

ንዂሉ ከይረኸብኲ፡ መንጐ-መንጐ ኰይነ

ማይ ዓሚዀ ተሪፈ፡ ባዶ ኣልባ ሃቚነ።

ናይ ስራሕ ደገፍቲ… ፧

ንማሕበረ-ሰብ ትግርኛ፡  ቋንቋ-ትግርኛ  ብGoogle translate ንኽረኽብዎ ሓግዞም።

comments powered by Disqus