ባሕሪና!

ንሕና ርሃጽና ዘየጽረናሉ

ንሕና ነብስና ዘይተወጃህናሉ

ባዕዳውያን ዘይደቂ-ሃገር ይሕንብስሉ

ሓድሕዶም ኣንጻርና ይሕንብጥሉ

እዋን ኣብቂዑ ንዓና ብግምጣሉ

ኣባና ክበጽሕ እንድዕሉ ተባሂሉ።

ንህዝበይ ህዝቢ ሃገረይ!

ደመ-ርሃጹ ከምዘይኣፍሰስናሉ

ብደሙ’ኳ’ዩ ቀይሕ-ባሕሪ ተባሂሉ

ካብ መዋእል ዘበናት፡ ብደሙ ተበሊሉ

ኣብ 90’ኳ ይኣክል ልዕሊ ኲሉ።

ንምስክር ዝኸውን ዝነግር!

ኣብ ፈንቅል’ሎ፡ ንፈንቅል ይሕተትሉ

ጥዋለት ትመስክር፡ ኣስር’ዩ ንባዕሉ

በይሉል’ውን ትተሓተት፡ መዛግብ ኲሉ

ታሪኽ ኤረይ ይገንጸል፡ ክትነግር’ያ ምስሉ

ምስሊ መሬት-ባሕሪ፡ ዝተኸፍሎ ኽብሪ።

ናይ ስራሕ ደገፍቲ… ፧

ንማሕበረ-ሰብ ትግርኛ፡  ቋንቋ-ትግርኛ  ብGoogle translate ንኽረኽብዎ ሓግዞም።

comments powered by Disqus