«ብገርሀይ!»
ቋሕ-ሰም እናበልኩ፡ ኣብ’ቲ ጐደና ብሸናዕ
ሓንቲ ጐርዞ ረኣዂ፡ ልበይ እናኽምናዕ
ብዘገምታ ስጒማ፡ ወሲኻ ጀላዕላዕ፣
ኣብ ክንዲ ሰላምታ፡
ምቕዳም ብወስታ
ምሽ ኣሎካ፡ ምሽ ኣሎካ ኢላ
ወሲኻ ወሳሲኻ፡ እንክትምልስ ብኣዒንታ
ንኽብረይ፡ ከይገበረት ቈላሕታ
ኣፋ ከይከፈተት፡ ከየቐደመት ሰላምታ፣
ከመይ ሓዲርካ ዊዒልካ
ከመይ ሓዲርካ ኣርፊድካ
ክኸውን ዝነበሮ ብኽምስታ፣
ካዕ-ካዕ ኪር-ኪር’ላ ተጨዲዳ
ሰሓቕ ደሚራ፡ ዘገትር ጭዋዳ
ፍቕራ ሓቢኣ፡ ዓቚራ ኣብ ከብዳ
ንትዕዝብተይ ዘሪጋቶ፡ በቲ ትዕኑን ጒዳ።
ተፈንጪሓ ደጊማ፡ እንክትስሕቕ
ናይ ጐደና መሲልዋ፡ ከምኣ ጽዪቕ
ርእየ’ሉ ዝዛረብ ዓዋን ኰይኑ
ብዓይኒ ምጽቃጥ ተሃኒኑ
ከም ሕያኻ፡ እናመጠጠት ትመላልሶ
ከም’ቲ ብዕሪራ፡ ቈጽሊ ቋንጢጥ
መትሓዚ ዝተሳእኖ፡ ሃንደበት ዝምጠጥ፣
ግን ኣይኰንኲን…
እሞ ድማ ፈቐዶኡ፡ ተዓዚበ’ለ ዘንባሁቕ
ኣብ ፈቐዶ ጐደና፡ ከም ጸሓይ ዝበርቕ
ነገሩ ኣይጽቡቕን’ዩ፡ ርእየ’ልካ ትዕዝብቲ
እንታይነት ከይመመኻ፡ ንደጋዊ ትዕድልቲ፣
ምምያ ኣድላዪ’ዩ፡ መዓልታዊ ፍቕሪ
ንኽብርን ምክብባርን ዘሎዎ ናይ ፈጣሪ
መርኣያ ኣዳምን ሄዋንን ስለ ዘሎዎ ነውሪ
ብኡኡ ንተዓገት ካብ ምቊማት ብሃውሪ።