“ተዓረዪ!”

ዓር ኢለኪ ከም በጊዕ

ዓስ ኢለኪ ከም ጤል

ዚ ኢለኪ ከም ላም

ሂስ ኢለኪ ከም ገመል

ንዂሉ ብዂሉ፡ ምስማዕ ኣቢኺ

ለሚድክዮ ኣልሚድክኒ፡ ተጐምጒምኪ ኣመል።

ምልዋጥ ኣቢኺ፡ ዕጭ’ልኪ

ንባህርኺ ዕጭ ኣሐንፊፍኪ

ከም እንስሳ ቐይርክዮ፡ ሰብኣዊ ባህርኺ

ሕጊ ኣምላኽ ሓዲግኪ፡ ሕጊ ሰይጣን ቢሂግኪ

ፈቐዶኡ ዕንደራ፡ ከም ኣባዀበራ ፈሊልኪ።

ብኣጸዋውዓ ሰባት፡ ካብ ዘይትሰምዒ

ቱቱላ እዝኒኺ፡ ካብ ዘይትዂኩዒ

ዓይነ ልቦናኺ፡ ካብ ዘይተቕንዒ

ነዊሕ’ዶ ዀይኑ፡ ሓቀይ ግዜኡ፧

እንክቘጽሮ ክትቈጽርዮ፡ ብፍቕዲ ዓመትታቱ

እናኽቀያየር ኣካይዳኺ ባህርያቱ፣

ንጠባይኪ ዝዘርግ፡ እንስሳዊ ነውሪ

ከም ምድብ መዲብክዮ፡ ብዙሕ ከም ዘየሕሪ

ኰይኑ ጉዕዞኺ፡ ንእምነት ካብ ተጣራጥሪ

ነዊሕ’ኺ ገይርኪ፡ ዓመትታት ካብ ተቚጽሪ።

ከይትእረሚ… ብመአረሚ!

ኰለልኪ ከይተውሕዲ፡ ዓይንኺ ከይትደግሚ

ተኣረሚ እንተበልኩ፡ ሰብኣዊነት ክትለብሲ

ሰብ ምዃንኪ ክትፈልጢ፡ ብሰብ ከም ትነግሲ

ቶባ በልዮ ንእከይ፡ መታን ክብሪኺ ከይተግህሲ

ብምዕራይ ተመመዪ፡ ልዕሊ ሰብ ክትነግሲ።

ናይ ስራሕ ደገፍቲ… ፧

ንማሕበረ-ሰብ ትግርኛ፡  ቋንቋ-ትግርኛ  ብGoogle translate ንኽረኽብዎ ሓግዞም።

comments powered by Disqus