“ትግርኛ!”
ነቒላ ተላዒላ፡ ካብ ኤርትራ
ብፍቕሪ ሰላም፡ ዶብ ሰጊራ
ንኣህዛብ ሓበሻ ከተበስር
ንትግራይ ሓሊፋ፡ ማእኸል ኢትዮጵያ
ኣብ ወግዓዊ መድረኽ፡ ዕድል ረኺባ
ብብልጭታ ኣብ ኣዲስ-ኣበባ፡
ከተአንግድ ተራእያ
ንእዝኒ ሰማዒ ከተበስር
ኣብ ቤተ-መንግስቲ ኢትዮጵያ፣
ቀጺላ ኣይዛዘመትን
ካብ ኣዲስ-ኣበባ ብናህሪ ብጒያ
ናብ ሃዋሳ ደቡብ ሰጒማ
ሳላ ግስጋሰ ኤርትራውያን
ኣብ መድረኽ ደይባ ኣሳስያ፣
ግን… ኣሎዋ! ቂም ዝብላ
ሕርኽራኻት ቓላት ዝጐድላ
ቓላት ልሳን ኣዳምጻ ንባዕላ
ቐዛሕ ዘይብል ብኸፊሉ
ንስሚዒት ዝዂርኲሕ
ንሕብረት ከይድምር ጐዲሉ፣
ሰሊሱ ዊዒሉ ዝሓደረ
ንዕዱማት ብምባል ዝቐረበ
ንዝሰምዑ ብምባል ዝሰረበ
ሽዑ’ያ ብብስራት ቦታ ረኺባ
ወርቂ ደፊኣ፡ ወርቂ መኾምብያ
ብታሪኻዊት ዕለት፡ ታሪኽ ሰሪሓ ቕያ።