«ንእደይ!»
እታ ዘዕርፈላ…
ቈሪረ ሟሚቐ
ብዘይ ምንጻፍ…
ዝሓድረላ ተመሪቐ
መን! ከም’ታ ንእደይ፧
ተጐዝጒዛ ተጐዝጉዘኒ
እታ’ኳ ምንቕ ዘይትብል
ካብ’ተን ናተይ ዓይኒ
ትኽስክስ’ለ ሎም’ሲ
ድቃስ’ኳ መጺኡኒ።
ንእደይ… !
ንእዲ ታተይ ዕኳዀይ
ኣብ’ቲ ብልጸጋ ጉብዝናይ
ከም’ቲ ድልየተይ፡ ምስ ኣቘምኩዎ
የማን ጸጋም ንነብሰይ
ከም ፈረስ’የ ዘቋመትኩ
ቀጥ’ለ ንቕድመይ።
ንእደይ… ንእዲ ዕረፍቲ!
ዓስኪሩልኪ’ዩ ልበይ
ከይትፈርሲ ከይትድወኒ
ካብ ኩሎም ጸላእቲ፥
ጐነይ ስለ ዝሓብሓብክዮ
ኴይንኪ ንእዲ ሓወልቲ
ንዘላዓለም ሩፍታይ ኣጐልቢትኪ።
ናይ ስራሕ ደገፍቲ… ፧
ንማሕበረ-ሰብ ትግርኛ፡ ቋንቋ-ትግርኛ ብGoogle translate ንኽረኽብዎ ሓግዞም።
comments powered by