ወሓለ!
እድብቲ ውሕልልቲ ሰበይቲ
መጻኢኣ መራጺኣ ብዙሕ
ኣብ መርዓን ደርዓን ክትበጽሕ
ውላድ ክትወልድ፡ ውላድ ከተምጽእ፣
ውሕልልቲ ሰበይቲ…
ዂሉ ፈታዊኣ፡ ዂሉ ደላዪኣ
ንሓዳርን ናብራን፡ ተመናዪ ብሃጊኣ
ብዙሕ’ዪ ዝህንቅዋ፡ ንናብራ ቊም-ነገር
ሂያብ ብምዕዳላ፡ ብዘይ ሓደ ኣበር፣
ውሕልልቲ ብምዃና፡ ተኪኣ ኣደኣ
ሰብ’ያ ኣዛሪባ፡ ሰብ’ያ ኣጋቢኣ
እኸለ-ማይ ኣፍሲሳ፡ ሰባት ኣጋቢኣ
ወሓለ ውሕልልቲ፡ ዝተዓደለት ሰበይቲ።