ዓወት!

ዓወት ከም ሽሙ፡ ዘይሕለል ዘይጸዓድ

ካብ እ/ሔር’ዶ ይኸወን፡ ዘሕለፎ ጉዱድ

ብሽግር ዝሓልፍ፡ ንተምሳል ደቂ-ሰባት

ንሕሰም ዘቋሲ፡ ከም መዓር ጽገናይ

ዓመታት ዝስጉም፡ እንተረኸበ’ኳ ግናይ።

ዓወት! ዓወት’ዩ ምጉንጻፍ

ሽግር! ሽግር’ዩ ሓርፋፍ

ሰናይ! ራህዋ’ዩ ተድላ

ዓቕሊ ምስ ዝህሉ፡ ተምሳል ኲላምላ።

ኣብ ገምገም፡ መጻድፍ ባሕሪ

ጥዑም ንፋስ’ሎ፡ ቐዛሕታ ቚሪ

ሓንሳብ ጥዑም፡ ሓንሳብ ዛሕሊ

ዓወት’ውን ከምኡ’ዩ፡ ጸዋር’ዩ ብዓቕሊ።

ንኽልቲኡ ከዛምድ፡ ኣንጻር ስቕታ ቓዕታ

ካብ ሰብ ከም ሰብ፡ ቢሒቱ ጸምታ

ክጓናጸፎ’ዩ! ምጉንጻፍ’ዩ ዓወቱ

ካብ ባዶ ተበጊሱ፡ ሚእቲ’ዩ ዝኣቱ።

ናይ ስራሕ ደገፍቲ… ፧

ንማሕበረ-ሰብ ትግርኛ፡  ቋንቋ-ትግርኛ  ብGoogle translate ንኽረኽብዎ ሓግዞም።

comments powered by Disqus