«ዕረ!»

መዓር-ሽኮር ኣገዳ፡ እንተዘይህልዉ ነይሮም

ዕረ ኣይምጣዓመን ምረትካ

ብሳላኦም! መቀርካ ጠዓምካ ፈሺልካ

ኣይመለለናዮን ነይርና፡ እቲ ናትካ ጣዕሚ

ጸዕዳ-ሕብሪ እንተትቅይር፡ ምመሰልካ ጠስሚ

ሕብሪታት እንተትቅይር፡ ነይርካ’ውን ከም ነፋሒቶ

ጣዕሚኻ ጠቕሊሉ ንዂሉ፡ ነይሩ ምስ በሓቶ

ካብ ዕረ-ዝመረረ ምባል፡ መቛረጸ’ዚ ኣዳም

ንሽኮር ከናዲ፡ ኣይምበለን ዳም-ዳም

ኣርሒቊ ክጓዓዝ፡ ብሃተምተም ክደሊ ሽኮር

ዕረ ተቐይሩ ጣዕሚኻ፡ እንተዝኸውን መዓር

ኣይምበልኲን ፍቐዶኡ፡ ዕንቅፍ-ድርግፍ ኛር።

ናይ ስራሕ ደገፍቲ… ፧

ንማሕበረ-ሰብ ትግርኛ፡  ቋንቋ-ትግርኛ  ብGoogle translate ንኽረኽብዎ ሓግዞም።

comments powered by Disqus