ዘመደይ!
በረድ’ኻ ጻዕዳ፡ ከም ማይ-ጸባ
ሓቒቕ’ኻ! ጽሩይ ከም ማይ-ሩባ
ንስኻ’ዶ ትርሕቕ፡ ዘመደይ ቀረባ
ንስኻ’ዶ ትኽወል፡ ስግር ታባ-ኲርባ።
ናጽነት እትህብ፡ ሩሕኻ ወፊኻ
ዓጽመ-ስጋይ ብምዃንካ
ነዛ ልዕልናይ፡ ሰማይ ዝሰቐልካ
ደምካ ኣፍሲስካ ኣዛሪኻ
ነዛ ንምንባረይ፡ በጃ ዝዀንካ
ጾታ ከይፈለዂ፡ ሓወይ ዝብለካ
ኣነ ክህሉ፡ ዘይነበርካ ንስኻ
ምንባር ሂብካኒ፡ ከይነበርካ ንስኻ
ከይከፈልኩኻ ዓስብኻ።