ድኽነት!

ገንዘብ እንተኣቐመጥኩ፡ ኣብ ማሕፍዳይ

ገንዘብ እንተቐርቀርኩ፡ ኣብ ታስኪነይ

ከተቐምጠኒ’ድያ ክትቅርቅረኒ ዓለመይ

ስቕ’ለ እጽበያ’ሎዂ ንኣንፈይ።

ከይዝክር ከየስተንትን ብስእነት

ከይነብር ተደፊአ ብድኽነት

ንዓለም እዛረባ፡ ትዛረበኒ ንሳ

እተቐየርኩ እተረኸብኩ መለሳ

ከተውጽኣኒ ከተጋላግለኒ ካብ ጥንሳ

ገለ እንተተበኮርኩ፡ እንተኣተዂ ኣብ ፈልሳ።

እታኾስ እበራበር፡ ኰይነ ሕልሚ

ግዜ ከይመጠጥኩ፡ ፈቲሐ ሎሚ

ፈቲሐ ንዝፍታሕ፡ ጋህዲ ክዀነለይ

ንኣምላኽ እልምኖ፡ ከኽትም ድኽነተይ።

ናይ ስራሕ ደገፍቲ… ፧

ንማሕበረ-ሰብ ትግርኛ፡  ቋንቋ-ትግርኛ  ብGoogle translate ንኽረኽብዎ ሓግዞም።

comments powered by Disqus