«ገዝሚ!»

ነቲ በዳሊ! ካብ ትብድሎ ብበደል

እቲ ተበዳሊ! ካብ ዝመልስ በደል

እንታይ’ዩ እቲ ጥቕሙ፧

እንታይ’ዩ እቲ ጉዳሙ፧

ካብ ደም ብደም፡ ገዝሚ በደል

ሰብ’ዶ ይብደል፡ ብእከያት ኣመል

ናይ ሕንቕንቕታ፡ ርህራሀ ዘይብሉ

ብጭካነ ጓመድ፡ ድበላ ዝዘልሉ

ወዲ-ሰብ ክግዘም፡ ሃልኪ ምንባር

ከም ዝብደል እንተዝፈልጥ፡ መቐደመ ተስካር።

ናይ ስራሕ ደገፍቲ… ፧

ንማሕበረ-ሰብ ትግርኛ፡  ቋንቋ-ትግርኛ  ብGoogle translate ንኽረኽብዎ ሓግዞም።

comments powered by Disqus