ጠባይ-ሰብ!

ቀይሕ ሕብሩ፡ ክፉእ መጋብሩ

ጻዕዳ ሕብሩ፡ ክፉእ መጋብሩ

ጸሊም ሕብሩ፡ ክፉእ መጋብሩ

ብጫ ሕብሩ፡ ክፍእ መጋብሩ

ወዲ-ሰብ ብምዃኑ፡ እንዳኣሉ ነገሩ

ንጠባይ ስራሑ፡ በሪዝዎ ሕብሩ

ኣብ ሸብዓተ ዓለማት ብምባሩ

ብሸብዓተ ጠባያት፡ መልክዑ ተገቲሩ

ሓጥያቱ በዚሑ፡ ብእምነት ድሒሩ

ብባህርያት ጠባዩ፡ ተኣፊፉ መስመሩ

ኣብኡ ኣቕኒዕዎ፡ ጥውይዋይ መስፈሩ።

ናይ ስራሕ ደገፍቲ… ፧

ንማሕበረ-ሰብ ትግርኛ፡  ቋንቋ-ትግርኛ  ብGoogle translate ንኽረኽብዎ ሓግዞም።

comments powered by Disqus