«ጣዕሚ!»
ንዓኺ ጥዒሙኪ፡ ኣስተርሒኺ ክትድቅሲ
ኣነ ግን ንስለኺ፡ ኣይዘናጋዕ ኣይማሲ
ሩፍታ ዘይብለይ፡ ኣንጊሀ ገስጋሲ
ንዓይን ንዓኺን ክብል፡ ንናብራና ክጓሲ።
ከም’ዚ ድዩ ነይሩ ዓስበይ፧
ከም’ዚ ድዩ ነይሩ ኢደይ፧
ጽቡቕ ኣይተፈደዂን
ኣይረኸብኲን ኢደይ፣
ጥልመት እቶት የብሉን፡ እንትርፎ ኽሳራ
ኣምላኽ’ውን ኣይፈትዎን’ዩ፡ ኣይትድለዪ ሓደራ።
ንልበይ ካብ ትመቕልዮ፡ ቓል ፍቕሪ ዘክሪ
ብማሕላ እመኒ፡ ብቐሌበት ተሓጸሪ
መስዋእቲ ኽፈሊ፡ ናይ ናብራ ምጽማም
ንዓለም ፎእ በልያ፡ ኣወግዲ ሓራም።
ፍቕሪ ማለት፡ ትርጒሙ እምነት እዩ
እምነት ማለት፡ ትርጒሙ ፍቕሪ እዩ
ንዑኡ ተዓጠቒ፡ ኣምላኽ ካብ ዝደልዮ
ዕድልኪ ክጽብቕ፡ መጻኢ ጽቡቕኪ ክትርእይዮ።
ጥዑም ጥዑም’ዩ፡ ከም መዓር ምጥዓሙ
ሕሰም ሕሱም’ዩ፡ ከም ዕረ ምዕርዓሩ
ዋጋ ጣዕሚ ፍለጢ፡ መቐረቱ መርምሪ
መጻኢ ሂወትኪ ክትመርሒ፡ ብዓቕሊ ተሓጸሪ።