ጽመማ!
ተጻውሮይ! ዒሕታ ወሊዱ
ሰማዒ ብምስኣኑ፡ ጓሂ ነጊዱ
ጓሂ ብጓሂኡ፡ ጽመማ ዝኸልእ
ብትለላ ተኸዚኑ፡ ብኣምሳሉ ክምላእ።
እናበለ ክብል፡ ብዒሕታ ጽመማ
ኣሎኒ’ሉ ምእማኑ፡ ፍቕሪ ዘለኣለም
ንስጋ ሰግዩ፡ ብጽመማ ይጽመም
ብምስምዑ ቈላሕታ ተኣምር
ጽመማ ወዲኡ፡ ዓቕሊ ጸንቂቚ
ኡፍታ መሊኡ፡ ፍቕሪ በቂቚ
ጻማ ሲኢንሉ፡ ጊላነት በዚሑ
ጻዕዳ ልቢ’ዶ ምጸለመ፡ ብድበት ተጐቢኡ።
ካብ ኣምላክ ደኣ፡ እረኽቦ’ምበር
ብፍቕሪ ኺዳን፡ ካብ ረኸብኩ ዘደናግር
ዓለም ተጸንቂቓ፡ ፍትወት ኣብዚሓ ኣበሳ
ዜማ ቕኒት ገልጠምጠም፡ መፋነዊ ረይሳ
ኰይኑ! ተደጋጊሙ፡ ካብ ሕጊ ሙሴ ወጺኡ
ጽመማ ሰብ ካብ ተወደአ፡
ሕጊ ኣምላኽ’ዩ መቕጺዒኡ።
ንዑ ደኣ ይቕረ በሉ፡ ንዝተበደሉ
እኳ’ዩ ኢልና፡ ሕጊ ኣምላኽና
ይቕረ’ንዶ ንልመድ፡ ብስቕታ ካብ ንሳቐ
ዒሕታ’ኮ ሕማም’ዩ፡ ንነብስኻ እናጸንቀቐ
እናኽትዝክሮ፡ በይንኻ ካብ ትመኽሮ
ምክፋል’ዩ መድሃኒት፡ ንስሓ ዝወለዶ
ካብ በይንኻ ሕማም፡ ብስሕተት ተፈጥሮ
ወዲ-ሰብ እኳ ኢኻ፡ ንሽግር ኣይተማርሮ።
ብሕጊ ኣምላኽ፡ እንተዘይ ከድካ
ዓሰርተ ትእዛዛት፡ ኣብ ነብስኻ ሒዝካ
ንስሓ ደኣ እቶ፡ ከም ሕጊ ፈጣሪ
ጽመማ ከተወግድ፡ ወጥሪ ናትካ ኽሪ።